*** Eri-Holland League 2023***
+++ ሕግታት+++
1 , ዲስፕሊን
ሀ, ኩላትና ከም ንፈልጦ ስነ-ስርዓት መለለዪ ሕብረተሰብና እዩ። ካብዚ ተበጊስና ድማ ኩላትና ኣብዚ ማሕበር ኩዕሶ ብኹሉ መዳያት ብሓልዮትን ብፍቅርን ክንቀርብ ናይ ነፍሲ ወከፍና ግዴታ እዩ።
ለ, ዘይ ስነ ምግባራዊ ባህርያት ምስ ዝርኤ ብመጀመርታ ብኣላዪ ጋንታ ማለት (ብ Coach )ኣብ ልዕሊ ዝተጋገየ ኣባል መኣረምታ ይወሃብ።
ሐ, ዝኾነ ኣባል ኣብ ልዕሊ ካልኦት ተጻወትቲ ጋንታታት ዘይስነምግባራዊ ስራሕ ምስ ዝፍጽም ሽዓ ምዓልትን ድሕርኣ ዘላ ጸወታ ይቅጻዕ ።
መ , ኣብ ጸወታ ዝጀመረ ናይ ጸወታ ስምዒት ኣብ ሜዳ ጥራይ ይፍጸም ። ካብዚ ሓሊፉ ሰባት ካብ ሜዳ ወጻኢ ዘየድሊ ስምዒት ምስ ዘርእዩ ምሉእ ብሙሉእ ካብ Eri-holland League ይስረዙ።
1.1 ጸወታ (ግጥም)
ሀ, ጸወታና ኩሉ ግዜ ሕውነታዊ እዩ ።
ለ , ተጻወትቲ ኩሉ ግዜ ማልያኦም ብግቡእ መሊሶም ክቀርቡ ኣለዎም ።
ሐ, ጸወታ ኣብ Amersfoort ይካየድ ።
መ, ሓደ ተጻዋታይ 2 ብጫ ወይ ውን 1 ቀይሕ ምስ ዝወስድ ሽዓ ምዓልትን ድሕርኣ ዘላ ጸወን ይቅጻዕ ።
ረ , 1 ዳኛ ካብ ኣባል 2 መጋጥምቲ ጋንታታት ወጻኢ ይኸውን ።
ሰ , ነፍሲ ወከፍ ጋንታ ኣብ 1ይን 2ይን ዙር ሓሓደ ግዜ ይራኸባ ።ነጥበን ተቆጺሩ ካኣ ደረጀአን ይፈልጣ።
1.2 ጸወታ ፡
ሀ , ሙሉእ ግዜ ናይ ሓደ ጸወታ 90 ደቂቅ ይኸውን ።
ለ , ኩሉ ተጻዋታይ ኣብ ግቡእ ስዓቱ ክርከብ ይግደድ ።
NB ፡ ኣብ ስዓታ ዘይተረኽበት ጋንታ ብፎርፋይት 3 ብ 0 ከም ዝተረትዐት ይሕሰብ።
1.3 መጋጠሚ ኩዕሶን መጻወቲ ሜዳን
ሀ, ሓንቲ ጋንታ 2 ክዕሶ ክትገዝእ ትግደድ ንሰን ከኣ ሓንቲ ናይ Premier League ሓንቲ ከኣ ናይ LaLiga ክኾና ኣለወን።
ለ, ኩለን ጋንታታት ብሓደ ዓይነት ኩዕሶ ይጻወታ .
ሐ, ድሕሪ ጸወታ ኣብ ሜዳ ዝበላዕናሉን ዝሰተናሉን ብግቡእ ክጸሪ ይግባእ ።
1.4 ዋንጫ ንመን ትግባእ፧
ሀ, 1ቲ ጋንታ ዋንጫን 4000 ኢሮን ትወስድ።
ለ፣ 2ቲ ጋንታ 1500 ኢሮ ትወስድ።
ሐ፣ ብዝሒ ጎል ዘእተወ ሓንቲ ወርቓዊት ጫማ ይስለም።
መ፣ ብዝሒ ኣሲስ ዝሰርሐ’ውን ሓንቲ ወርቓዊት ጫማ ይስለም።
ረ፡ ቤስት ኪፐር ሓንቲ ወርቓዊት ጓንቲ ይስለም።
1.5 ባእሲ & ጸርፊ
ሀ፡ ባእሲ ምስ ኣንጻር ጋንታካ ኣይፍቀድን። ምስ ትብኣስ ከምእውን ኣበጋሲ ባእሲ ንስኻ ምስ ትኸውን ካብዚ League ትስጎግ።
ለ፡ ሓንቲ ጋንታ ብሰንኪ ሓደ ኣባላ ባእሲ ምስ ትፍጽም ካብዚ League ትስጎግ ከምኡ’ውን ኣብ ዝመጽእ League ክትኣቱ ትኽልከል።
ሐ፡ ምስ ዳኛ ምጽራፍ ኮነ ምቁያቕ ኣይፍቀድን’ዩ።
መ፡ ዳይኛ ዝበላ ትጸድቅ።
ረ፡ ዳኛ ዝተጻረፈ፥ ዳኛ ክብደት ናይ ጸርፊ ሪኡ መቅጻዕቲ ይቀጽዕ ማለት ብጫ ወይ ቀይሕ ይህብ።
ሰ፡ ዳኛ ዝኮነ ጉዳይ እንተ ኣሎዎ ምስ ካፒታን ይዛራረብ። እዚ ማለት ከኣ እንትርፎ ካፒታን ካልእ ንዳኛ ክዛረቦ ኣይፍቀድን ማለት’ዩ።
ሸ፡ ዳኛ ዝሃረመ ጋንትኡ ፎርፍይት ትስዓር እዚ ማለት ከኣ ዝኮነ ተጻዋታይ ዳኛ ምስ ዝሃርም ጋንትኡ ትስዓር ማለት’ዩ ከም’ውን ኣብ ዝመጽእ League ክትኣቱ ትኽልከል።
1.6 ሓንቲ ጋንታ ክትሕዞም ዘለዋ ተጻወቲ
ሀ፡ ሓንቲ ጋንታ 18 ተጻወቲ ክትሕዝ ጥራይ’ዩ ዝፍቀዳ።
ለ፡ ሓንቲ ጋንታ ኣብ ሓደ ጸወታ 7 ተጻወቲ ክትቅይር ጥራይ’ዩ ዝፍቀዳ።
ሐ፡ ሓደ ተጻወታይ ኣብ ሓንቲ ጋንታ ጥራይ’ዩ ክጻወት ዝፍቀዶ።
መ፡ ሓደ ተጻዋታይ ተቀይሩ ምስ ዝወጽእ ካልኣይ ግዜ ንሜዳ ክኣቱ ኣይፍቀዶን’ዩ።
ረ፡ ሓንቲ ጋንታ ኣብ መዝገባ ዘየለ ተጻዋታይ ወይ ዘይናታ ተጻዋታይ ምስ ትጥቀም ፎርፋይት ትስዓር።
ሰ፡ ሓደ ተጻዋታይ ኣብ EriFifa (app) ክምዝገብ ይግደድ፡እዚ ማለት ከኣ ምስ ዘይ ምዝገብ ክጻወት ኣይፍቀዶን ማለት’ዩ።
ሸ፡ ሓደ ተጻዋታይ ስእሊ ናይ profile ክገብር ይግደድ ማለት ዳይኛ ቅድሚ ጸወታ ምጅንባሩ ቸክ ክገብር ስለ ዝኾነ።
ቀ፡ ሓደ ተጻዋታይ ብዝኮነ ምኽንያት ተቀጺዑ ኮሎ ኣዳናጊሩ ሜዳ ኣትዩ እንተ ተጻዊቱ ጋንትኡ ፎርፋይት ትስዓር።
በ፡ ድሕሪ ውድድር ሓንቲ ጋንታ እንተ ተኸሲሳ ከሳሲት ጋንታ ከኣ ጭብጢ እንተ ኣምጺኣ ተከሳሲት ጋንታ ካብዚ League ትስጎግ።
ተውሳኪ
ትማሊ ዝተዛራረብናለን ኣርእስቲ !
1.ሓደ ዳኛ ጸወታ ክርኢ ካብ ዝጀምረሉ ክሳብ መወዳእታ ክጸንሕ ናይ ግድን እዩ።
2.ሬፍ ኤርትራዊ ጥራሕ ክኸውን ኣለዎ።
3.ዳኛ ዝፈረዶ ፍርዲ ኩሉ ተጻዋታይ ክቅበሎ ግዴትኡ እዩ።
4.ሓንቲ ጋንታ ብዝኾነ ምኽንያት ምስ ዳኛ ከይተሰማምዐት ምስ ተቃርጾ ድሕሪ 5 ደቂቅ ፎርፍየ ትሰዓር።
5.ሓንቲ ጋንታ ብጎደሎ ክትጅምር ኣይፍቀዳን’ዩ።
6.ቅድሚ ፍርቂ ሰዓት ጸወታ ምጅማሩ ሓንቲ ጋንታ ዝኾነ ናይ ተክኒክ ጸገም ምስ ዘጋጥማ ብቀጥታ ምስ ኣንጻር መጋጥምታ ካፒተን ከምኡ ወን ምስ ሓለቃ ሊግ(ነባይ) ተራኺባ ምኽንያት ምድንጋያ ትነግር።
7.ሓቲ ጋንታ 2 ኩዕሶ ክህልዋ ኣለዎ። ብፍላይ ኣብ ግዜ ጸወታ 1 ናይ ግድን ናብ ሜዳ ከትምጽእ ኣለዋ። 1 ኩዕሶ ምስ ዘይተምጽእ 10 Euro ትቅጻዕ።
8.ሬፍ ጽቡቅ ኣይፈረዶን ኢልካ ኣብ ካሜራ ይረኣየልና ምባል ኣይፍቀድን እዩ።
9. ሬፍ ዝሪኢ ሰብ ኩሉ ናይ ሬፍ ዕጥቂ ከማልእ ኣለዎ። ሕግታት ናይ ሊግ ኤሪ ሆላንድ ውን ክፈልጦ ኣለዎ።
10.ነባይ ኣብ ግዜ ጸወታ ዝካይደሉ ከም ተዓዛባይን ከም ኣላይን ደኣ እምበር ፈራዳይ ወይ ድማ ሬፍ ኣይኮነን። ምናልባት ምስ ነባይ ክትዘራረብ ዝደለየት ጋንታ ብኣባል ኮሚተ ዘሎ ሰብ ክትመጽእ ኣለዋ።
ኮሚተ Eri-holland League